መተሓሳሰቢ ብዛዕባ ኣተሓሕዛን ኣጠቃቅማን ብሕታዊ ሓበሬታታት

ተጠቀምቲ ሓገዝ ናይ ሰርቪሳት ቀይሕመስቀል ሉክሰምበርግ ከም ሙካንኩም መጠን፣ ምሳኩም ርክብ ክንገብረሉ ንክእል ውልቃዊ ሓበሬታታትኩም ትህቡና ኢኩም። ቀይሕ መስቀል ሉክሰምቡርግ ነቲ ናይ ሂወትኩም ውልቃዊ ሓበሬታ ልዑል ጥንቃቀን ኣክብሮትን ኣለዎ። እዚ መተሓሳሰቢ ንጽሕፎ ዘለና, ስለምንታይ ኢና ውልቃዊ ሓበሬታታን ንእክብን ንምንታይ ከምንጥቀመሉን ንዓኩም ሓበሬታ ንምሃብን መሰላትኩም ብግቡእ ምፍላጥን እዩ። 

ስለምንታይውልቃዊሓበሬታታትየድልዩና፧

ምእንቲ ምሳኩም ብቀሊል መንገዲ ክንራከብን ነቲ ንህበኩም ውልቃዊ ማሕበራዊ ሓገዝ ይኩን ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓ ከምኡ ውን ንጸብጻብ ክሕግዘና ተባሂሉ  ውልቃዊ ሓበሬታታትኩም ብሰርቪስ ሊስኮ (LISKO) ይእከብን ይስርሓሉን። ኣብ መወዳእታ ውልቃዊ ሓበሪታኩም ምስ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ንምስታፍ ዝግበር ርክባት ክንጥቀመሉ ኢና፡ እቲ ንጥፈታት ብነጻ ዘይክፈሎ ኮይኑ ፡ ምስቲ ዓዲ ንምውህሃድ( intégratives ) ዝዓለመ እዩ።

እዚ ኣተሓሕዛ ውልቃዊ ሓበሬታ ብሕጋዊ ተገዳስነት ቀይሕ መስቀል ላክሰምበርግ ዝካየድ ኮይኑ ኣብቲ ነቅርቦ ጸብጻብን ስታቲስቲክስን ከምኡ ውን ኣብቲ ግዴታታትኩም ንምፍጻምን  መሰላትኩም ኣብ ምጥቃምን ኣድላዪ ኣብ ዝዀነ ውዕል ወይ ቅድሚ ውዕል ኣብ ዚግበር ስጕምትታት እተመርኰሰ እዩ ።

እንታይዓይነትውልቃዊሓበሬታኢናንእክብ ?

ብሕጋዊ መሰረት ቀይሕ መስቀል ሉክሰምበርግ ዝእክቦም ውልቃዊ ሓበሬታታት ኣድለይትን ነቲ መስርሕ ኣገደስትን ዝበሎም ይኮኑ, ብሓፈሻ እዞም ውልቃዊ ሓበሬታታት እቶም ባዕልኩም ዝሃብኩሙና እዮም ካልኦት ድማ ኣብቲ ዝቅጽል መስርሕ ዝእከቡ ይኮኑ, እቶም ውልቃዊ ሓበሬታታት ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ይመስሉ።

እዚውልቃዊሓበሬታታትኩምንክንደይግዜዝኣክልክዕቀብይክእል ?

እዚ ሓበሬታት ነቲ እተኣከበሉ ዕላማ ንምፍጻም ኣብ ዚወስዶ ግዜ እዩ ዚኽዘን፣ እቲ ፋይል ክሳብ ዚዛዘም ከኣ የገልግል ተነውሐ ኣብ ክልተ ዓመት ፋይል ይዕጾ።

እዚ ውልቃዊ ሓበሬታታትኩም ምስ መን ንከፋፈሎ ?

ሓበሬታታትኩም ብምስጢር እዩ ዚተሓዝ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋንን ምስ ሕጊ ብምስምማዕን ጥራይ ከኣ ንሳልሳይ ኣካል ይካፈል ። እዞም ሳልሳይ ኣካላት እዚኣቶም ካልእ ኣገልግሎት ቀይሕ መስቀል ላክሰምበርግ  ወይ ድማ ኣብ ክንዳኻ ኮይኖም ዚሳተፉ ሰብ ሞያ ከምኡውን ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ኬጠቓልሉ ይኽእሉ ። ኣብ ዳሕረዋይ ጕዳይ, ውልቃዊ ሓበሬታኹም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ጥራሕ ኸም ዚኽዘንን ከም ዚስራሕን ከነረጋግጽ ንፈቱ።

መሰላትኩም እንታይ እዩ ?

ብሕጋዊ መሰረት መሰላትኩም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ይርከቡ

ኣብ ገሊኡ መዳያት ብመሰረት እቲ ሕጊ ዘውጽኦ ዅነታት ከኣ እዚ ዝስዕብ መሰላት ኣሎኩም ፡

ብዛዕባ ኣሰራርሓ ሓበሬታኻ ወይ ብዛዕባ ምጥቃም መሰላትካ ገለ ሕቶታት እንተ ኣልዩካ ምስ ተወከልቲ ቀይሕ መስቀል ሉክሰምበርግ  ክትራኸብ ትክእሉ ኢኩም።

Croix-Rouge luxembourgeoise
Protection des données
44, boulevard Joseph II
BP 404 L-2014 Luxembourg
Email : rgpd@croix-rouge.lu

ምስዚ ሕጂ ዘሎ መምርሒታት ምእንቲ ኽንሰማማዕ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኸነዳሉ ክኢልና ኣለና ።