15 juillet 2024
ምስ ዳናይ ሃይለ ፣ ኤርትራዊ ከም ቶርጓማይ ኣብ ሰርቪስ ሊስኮ ይሰርሕ ዝተገብረ ዝርርብ።
ብቀንዱ ኣብ ግዜ ዉልቃዊ ቆጸራ፡ ምስ ናይ ስነ፡ኣእሙሮ ክኢላ ዝግበር ዝርርብ፡ ብቴሌፎን ፡ ከም ኡዉን ስልጠናታት ብምሃብ፡
ኣብ ሰርቪስ ሊስኮ ከም ቶርጋማይ ምስራሕ ከመይ ትገልጾ፧
ስርሐይ ምስ ዓማዊል ወይ መንበሪ ፍቃድ ዝሓዙ ስደተኛታትን ፡ ሶሻላት ዝግበር ዝርርብ ይቱርጉም። ብቀንዱ ኣብ ግዜ ዉልቃዊ ቆጸራ፡ ምስ ናይ ስነ፡ኣእሙሮ ክኢላ ዝግበር ዝርርብ፡ ብቴሌፎን ፡ ከም ኡዉን ስልጠናታት ብምሃብ፡ ከም ኣባል ሕብረተሰብን፡ ተመሳሳሊ ጉዕዞ ስደት ዝሓለፍኩ ሙኻነይ፡ ባህላዊ ወይ ህይማኖታዊ ወይ ምስ ልምዲታት ዝተሓሃዝ ሓበሬታ እንተ ኣድልዩ ምኽረይ ይልግስ። ነቶም ሶሻላት
ሓደ ሰብ ብቁዕ ቶርጋማይ ክባሃል እንተኮይኑ አንታይ ዘማል ክኸዉን ኣሎዎ፧
ብመሰረቱ አቲ ቶርጋማይ ከም ድልድል ኣብ ማእከል ኮይኑ ሚዛኑ ብምሕላው ንክልቲ ኦም ኣካላት ስርሑ ከበርክት ኣሎዎ፡ ኣብቲ ናይ ሶሻል ስራሕ ጣልቃ ዘይምእታው፡ ኣብ ዝትርጉመሉ ግዜ ርኢቶ ክህብ የብሉን። ነቲ ዝመጽእ ዘሎ መልእኽቲ ጽን ኢልካ ብምስማዕ፡ ብዝተካእለ መተን ከምዘለዎ ከተሕልፎ ኣለካ። ሓደ ሃደ ግዜ ሕቶ ንኽትሓት ትን ወይ መብራርሂ ክትዉከስ ትግደድ። ብተወሳኺ ምስ ስራሕ ዝተሓሓዝ ዝፈልጦ ሓበሬታ ብምስጢር ንኽዕቅብ ግቡ ኣይ እዩ፡ ወላካ ብሰንኪ ስርሐይ ብዙሕ ሓበሬታ ይሃልወኒ።
እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥመካ ኣብ ስራሕካ ፧
እቲ ነዓይ ከቢድ አዩ ዝብሎ አንተሎ ሓደ ዓሚል ምስጢሩ ክሕብረኒን ዝያዳ ብ ግሊ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝምድና ክፈጥር ምስ ዝደሊ እዩ፤ ድሕሪኡ ብ ሶስያል ክሓልፉ ከምዘለዎ ከዘኻኽሮ ኣለኒ።
ከም ተርጓሚ መጠን ዓቅመይ ድሩት እዩ፤ ኣነ መፍትሒ ክህብ ዝኽእል ሰብ ኣይኮንኩን። አዚ ዉን ሓደ ሓደ ካብቲ ናይ ሶስያል ትምርቲ ንክማሃር ዝደፈፋአኒ ምክንያት አዩ። ቀዳመይቲ ዓመት ዉን ወዲአ ኣለኩ ።
ኣብ ስራሕካ ቭፍላይ ደስ ዝብለካ ወይ ትፈትዎ አንታይ አዩ
፧ ሰብኣዊ ሞያ እዩ ። ን ማሕበረሰበይ ምሕጋዝ የሐጕሰኒ እዩ ። ምስ ብዙሓት ሰባት ዉን ተላልየ ፣ ዜደንቑ ውልቀ፡ ተውህቦን ዘለዎም፣ሰባት መብዛሕትኦም ከኣ መንእሰያት እዮም ።ባህላዊ ፍልልያት እናሃለዎም ክነሱ ምስ ሕብረተሰቦም ሓቢሮም ንክነብሩ ይቃለሱ ኣለዉ።